ሳላ ድንዙዛት መራሕቲ ወያነ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ መለክዒ የብሉን። ብሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰያት ኣብዘይማዓልቶም ተቐዚፎም እዮም። ኣዶታቶም ፀሊም ተኸዲነን'የን። ክልተ ሰለስተ መናእሰያት ተሰውእዎም ቤተሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ኹሉ መስዋእቲ ተኽፊሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ሰፊኑ ልዑላዊነት ዓድና ተዝኽበር ኔሩ ፅቡቕ ኔሩ። ዓድና ሰላም ኣይረኸበትን፤ ልዑላዊነታ'ውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኸይሰፍን ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ብመራሕቲ ህወሓት ተፈጠረ ሓዱሽ መንግሰቲ ሻዕብያ እዩ። ኣይተ ስብሓት ነጋ ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ሕወሓት ኤርትራ ነኸንፅል ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ። ኣይተ ኣስገደ አብ "ጋህዲ" ትብል ዝፀሓፍዋ መፅሓፍ'ውን መንእሰይ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብዙሕ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዙይ ከምዙይ እነዳሃለወ ሻዕብያ ይወረና። ህዝቢ ትግራይ ብሰራዊት ሻዕብያ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን ይቕጥቀጥ። ሻዕብያ ኣብ ትግራይ ኣትያ እዙይ ዘይባሃል ግፍዒ እነዳፈፀመት እንተላ፤ መንግሰትና ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣይነበረን ክባሃል ይካኣል። ሻዕብያ ኣብ መቐለ ንናይ ዓይደር ተማሃሮ ቦምባታት ካብ ሰማይ የውርደሎም። ብዙሓት ቆልዑ ሞቱ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእሲ ሓዘኑ ሓዘን ተወሰኾ። ህዝቢ ትግራይ "መንግስቲ" የለን ድዩ በለ። "በዝባን መንግስቲ" ኢሉ ኡይ እንተበለ፤ ዝሰምዖ ሳአነ። ብ1977 ልዕሊ 70,000 ትግራዋይ ብድርቂ ምኽንያት ናብ ሱዳን ክኣቱ 15 ኪ.ሜ ምስተረፈቶ፤ ሻዕብያ ሱዳን ከይኣቱ ትገብር። እዚ ኹሉ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ጥሜቱ ንድሕሪት ናብ ትግራይ ከምዝምለስ ይግበር። ህዝብና ንዓዱ ገፅ ክምለስ እንተሎ ደርጊ ካብ ሻዕብያ ሓበሬታ ይረክብ። ደርጊ ብሚጋትን ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራትን የቃፅሎ። ካብ 50,000 ንላዕሊ ተጋሩ ህይወቶም ይስእኑ። እዚ ኹሉ ህይወት ትግራዋይ ሓሊፉ ዘሎ በሰንኪ ሻዕብያ እዩ። ድሕሪ ወራር ሻዕብያ ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለኒ በለ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሰ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ንሻዕብያ ድመፅማፃ ኽጥፋኣ ወፈረ። ኣብ ክልተ ሰሙን ውሽጢ ናይሻዕብያ ሰራዊት ተቐተለ ተቐቲሉ ዝተማረኽው'ን ተማሪኹ ካብ ምድሪ ኢትዮጵያ ከምዝለቅቕ ተገበረ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዘሎ ኢትዮጵያዊ ዕልል በለ። ተሓጎሰ። ዳርጋ ፍርቂ ናይ ኤርትራ መሬት ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣተወ። ልዕሊ 50000 ኢትዮጵዊ ተሰዊኡ ክበቅዕ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጦርነት ጠጠው ክምዝብል ገበረ። ናይ ሻዕብያ ሰራዊት ሙሉእ ብሙሉእ ንምድመሳስ ተላዒሉ ዝኸደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተይፈተወ ንዓዱ ይምለስ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስቲ ወታሃደራት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኖም ፀጥታ ከኽብሩ ዓደመ። ተሳዕረ ሰራዊት ሻዕብያ ከም ሓዱሸ ተኣኻኺቡ ክትንፍስ ካኣለ። ብሓፂሩ፤ መንግስቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ አልጅርስ ከይዶም ይፈራረሙ። ጉዳይ ድምበር ክልቲአን ሃገራት ብሄግ ክውሰን'ሞ ዶብ ክጥረር ይግበር። ባድመን ካልኦት ቁሸታት ትግራይን ናብ ኤርትራ ክኣቱ ይውሰን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሓዝን። ሕዚ'ውን "በዝባን መንግስቲ" ኢሉ ኡይ ይብል። መንግሰቲ ዘለዎ ኣይመስልን ዘሎ። ሰለዙይ እዚ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ ሰልጣን እንዳሃለወ፤ ምስ ሻዕብያ ጦርነት ምግባር ዘላቒ ሰላም ሰለዘየምፅእ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደቁ ናብ ጦርነት ክሰድድ የብሉን። ንቕድሚት ዝግበር ጦርነት'ውን ብዓዶም ዝፈትዉ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን መሪሕነት ተኻይዱ ንኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ዝኽፍት ጥራሕ ክኾን ኣለዎ። ተዘይኮይኑ ሰራዊትካ ኣጠናኺርካ ንሻዕብያ ወስ ከም ዘይብል ጌርካ፤ ሻዕብያን ህዝቢ ኤርትራን አዳኺምካ ናብ ማማ ኢትዮጵያ ምምላስ ይሕሸኒ ኢሉ ክሳዕ ዝምለስ ምፅባይ እዩ። ክሳዕ ንኢትዮጵያ ዝሓሊ መንግሰቲ ዝመጽእ። |
Followers
Sunday, August 12, 2007
ምስ ኤርትራ ዝግበር ጦርነት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ዝኽፍት ጥራሕ ክኾን ኣለዎ
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment